ውዲታት መናውሒ ስልጣን ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቒ! ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ታሪኽ ኤርትራ

Standard

ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ታሪኽ ኤርትራ: ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቒ ነዛ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍላ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ህዝባዊ-ምርጫን ባይቶን፡ ምስ ውሑዳት ተማእዘዝቱ ዝተፈላለዩ ውዲታት እንዳተጠቕመ ቐስ-ብቐስ ዲክታተርያዊ ስርዓት ኣማዕቢሉ፡ ሃገርና ከም ብሕታዊት ጥሪቱ እንዳ ኣማሐደረ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናብ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሕሱም ናይ ራዕዲ መነባብሮ ጅሆ ሒዙዎ ይርከብ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ሃገርን ህዝብን ከቢድ ኣሉታዊ ስምብራት ዝገደፈ፡ ነዊሕን መሪርን ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነትን ፍትሕን፡ ህዝቢ ኤርትራ ገና ቁስሉ ከይሓወየን ንተንኮላት ዲክታተር ኢሳይስ ኣፈወርቒ ከየስተባሃለሎምን እንከሎን፡ መርኣያ ትምክሕታዊ ብህርያቱ፡ እቶም ብኣጋ ብሕግን ልቦናን ክእለዩ ዝኽእሉ ዝነበሩ ጉዳያት ኣሳቢቡ፡ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ውግኣት ኣካይዱ፡ እዚ ከኣ፡ ሓልዮት ሃገርን ህዝቢን ከምዘይብሉ ዘርኣየ ፍጻሜ እዩ፡ ብፍላይ ግን እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደማዊ-ውግእን ኣብ ኣተኣላልይኡ ኣቶ ኢሳይስ ኣፈወርቒ ዘርኣዮ ዘይሓልፍነታዊ ኣመራርሓን፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዝዓሞቐ ጥፋት ናይ ኣሽሐት ደቒ-ህዝቢ ሂወትን ንዋትን ሞራላዊ ዕንወትን ኣኸቲሉ እዩ።
ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ካብዚ ረዚን ሕጋዊ ተሓታትነት ንምህዳምን ከምኡ’ውን ምልኩ ንምድልዳል ተጠቐመሎም ውዲታት ገለ ካብቶም ቀንዲ ረቓሒታት፡ መጀመርያ ተወሪርና እናበለ ህዝቢ ብጋህዲ ከታልል ጀመረ። ቐጺሉ ከኣ፡ ሕቶ ትግባረ ቅዋምን ህዝባዊ-ምርጫን ምስ ምሕንጻጽ ቦርደር ዘይዛመዱ ተርእዮታት ክንሶም፡ ንዲፕሎማስያዊ ሃልኪ ዝኸውን እውን ዝርርብ ተሐሪሙ፡ ቦርደርና ከይተሓንጸጸ ከምኡ’ውን ወያነ መሬትና ሒዞሞ ከለዉ፡ ትግባረ ቅዋም ይኹን ህዝባዊ-ምርጫ ቀዳምነት የብሉን ብዝብል ውዲት ህዝቢ ሃገሩ ከየጥፈእ ዝነበሮ ስግኣት መዝሚዙ ንዓመታት ከታልል ቀጸለ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ቁጠባ-ሃገር ብብልሹው ምሕደርኡ ረሚሱ፡ ህዝቢ ናብ ሕሱም ድኽነት ኣቓሊዑ፡ ንባህርያዊ ጸጋታት-ሃገር ማዕድናታን ሃብቲ-ባሕራን ክራይ ወደባታን ካልኦት ንብረት ህዝቢ ብዘይተሓታትነት፡ ኣታዊታቶም ኣቶ ኢሳይስን ዉሑዳት መሻርኽቱን ጥራይ ዝፈልጥዎም ኮይኑ፡ ናብ ውልቓዊ ረብሖኦምን፡ መናውሒ ምልክን ይጥቐምሉ ኣለዉ፡ ኣብ ክንዲ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ስርሐት ምፍጣርን ከምኡ’ውን ምህናጽ ህዝባዊ ኣገልግሎታት፡ ንጹሃት ዜጋታት ብዘይ መስርሕ ክስን ፍርድን ዝሕየርሉ ቤት ማእሰርትታት ይህነጽ፡ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን መሐውር ስለይኡ ዘርጊሑ፡ ብልዑል ደሞዝ ዝሰርሑ ሃሱሳት ብምውፋር፡ ህዝቢ ተውዲቡ ሐቢሩ ንለውጢ ንኸይቓለስ፡ ብትሕቲ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ከፋፊሉ ኣብ ሕድሕዱ ንኸይትኣማመን ሐያል ወጻኢታት ሰሊዑ ይሰርሕ።
ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቒ በቶም መሳርሒ ስልጣኑ ዝኾኑ ማዕከናት ዜናታቱ ኣቢሉ፡ በብእዋኑ ዘካይዶም ዲፕሎማስያዊ ስነ-ምግባር ዝጎደሎም ቃለ-መጠይቓቱ፡ ንነብሱ ከም ፍጹም ቅኑዕን ሐቐኛን ፈሊጠ-ኩሉ ኮይኑ፡ ንካልኦት መርሕቲ ሃገራት ከቆናጽብን ክውንጅልን ብፍላይ ከኣ ንመራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መራሒ ሃገር ክትሰምዖ ዘሕፍር ወያነ እናበለ ክዝልፍ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ዲሒሩ ክኣ፡ ንሳቶም እዃ እንታይ ዓቕሚ ሃልይዎም ከደምቲ ልኡኻት ናይቶም ካብ ድሮ ጸላእቲ ናጽነት ኤርትራ ዝኾኑ መንግስቲ ኣሜሪካ መሳርሒ እዮም፡ ብምባል ነቲ ውጽኢት ኣዕነውቲ ፖሊሲታቱ ዘኸተሎም፡ ፖሊቲካውን ማሕበረ-ቑጠባውን ውድቕታት ሃገር እንተላይ ምጽናት-ስደት መእሰያት ኤርትራ ከይተረፈ፡ ገበናቱ ክኽውል፡ ኣሜሪካ ሰብኣዊ ዓቕምና ከዳኽሙ ዝገብርዎ ዘለዉ ሽርሕታት እዩ ክብል፡ ብዘይሕንከት ክኸስስን ሐላፍነት ንኻልኦት ከሰክምን፡ ንህዝቢ ዘየሎ ዝዓበየ ጸላኢ ፈጢሩ ከርዕዶ መናውሒ ስልጣኑ ክጥቀመሉ ጸኒሑ።
ኣብዛ ዝሐለፈት ናይ ጥቅምቲ 7 2017 ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቒ ዘካየዳ ቓለ-መጠይቑ ግን፡ እቲ ልሙድ መደናገሪ ኣዘራርባ ከም ወትሩ ኮይኑ፡ ግን ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ክጥቀመሎም ዝጸንሐ ሊዒሎም ተጠቕሶም ዘለዉ ውዲታት መናውሒ ስልጣኑ፡ ገለ ሐድሽ ሜላታት ክህንድስ ዝደሊ ዘሎ ይመስል። ብሰሪ ጎነጻዊ ባህርያቱ “ዞባዊ ሃዋኺ ስርዓት” ማለት Regional Spoiler ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂቡዎ፡ ንነዊሕ ዓመታት ካብቲ ዞባን ዓለምን ተነጺሉ ዘሎ ስርዓት፡ ከምኡ’ውን ውጽኢት ፖሊሲታቱ ዘኸተሎ ውድቐት ሃገርን ስቓይ ህዝብን፡ ከም ሽርሒት መንግስቲ ኣሜሪካን ተላኣኽቶም ኢትዮጵያን ኢሉ ንነዊሕ እዋን ክኸስስ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ቛንቓ ዘይፈልጥ መራሒ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ኣብቲ ቓለ-መጠይቑ ብዘይ ሕንከትን፡ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ተሰሚዑ፡ ብመጀመርያ ነቶም ንነዊሕ ኣዋን ናይ ግዳም ተጻባእትና እንዳበለ ብሐሶት ክኸሶም ዝጸንሐ ሃገራት ከየልዓለ፡ ብኣንጻሩ፡ ወረጅ ክመስል፡ ዲሒርና ከይንህሉ ኣብ መበል 21 ዘመን ምህላውና ድሕሪ ምዝኽኻሩ፡ ምስ ኩሎም ጎረባብትና እንተላይ ኢትዮጵያ ንተሓጋገዘሉ ባይታ ክህልወና ኣድላይ ምኻኑ ኣተምብሀ፡ ቐጺሉ፡ ተዓዘብቲ ጥራይ ክንከው ከምዘይብልና፡ ከምኡ’ውን ንካልኦት ምኽሳስ ጥራይ ዘዋጸእ ኣይኮነን ክብል፡ መስተንክር ሐረጋት ኣውከኣ።
ምስዚ ብልሐተኛ ኣዘራርባ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኸይድ ካልእ ፍጻሜ ከኣ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ኣብ ሶማል ዝርከቡ ኣልሸባብ ርክብ ኣለዎ ተቢሂሉ፡ ገና ብወግዒ ዘይተላዕለ እገዳ ተበይንሉን ከምሳዕቤኑ እውን ምስ መንግስቲ ሶማል ጥዑይ ዝምድና ዘይጸንሖ ዲክታተር ኢሳያስ፡ ነቲ ብጥቅምቲ 14 2017 ኣብ መቓድሾ ዘጋጠመ ግብረ-ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኣመልኪቱ፡ ነቲ ንኣልሸባብ ንምጥፋእን ከምኡውን ምርግጋእ ሶማል ዝግበር ቃልሲ ከም ዝድግፎ ዝገልጽ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሶማል ሊኢኹ። ንኣቶ ኢሳያስ ጉድይ ኤርትራ፡ ንህዝባ ኣይምልከቶን እዩ፡ ንውልቓዊ ስልጣኑ ብዘርብሕ ምስ ድላዩ ንህዝቢ የባእሶን ይዓርቆን።
እዞም ሊዒሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ክውንነታት፡ ኣቶ ኢሳያስ ስልጣኑ ንምንዋሕ ሐድሽ ውዲት የናዲ ምህላዉ ዝእምቱ እዮም፡ ናይ’ዚ ምኽንያት ክኣ ምናልባት፡ ከምቲ ኣብ ዜና መድርኽ-ንሃገራዊ-ዘተ ወጺኡ ዘሎ፡ ማለት መንግስቲ ኣሜሪካ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ክምስርት፡ ከምኡ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምምልካት ዶብ ተጽዕኖ ክትገብር ዝብል ኣብ ዘተ ምህላዎም ዝተታሐሐዘ ክኽውን ይኽእል እዩ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኩሉ ጊዜ ካብ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ረብሓ ስልጣኑ ስለዝዓጦ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ተጸሊኡን ካብ ዓለም እውን ተነጺሉ ስለ ዘሎ፡ ገለ ሐድሽ መታለሊ ሜላ ኣብ ምህንዳስ ዘሎ ይመስል፡ ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ እዩ ነገሩ፡ ኣብ ናይ ዝሐለፈ ጥቅምቲ ቓለ-መጠይቑ ዘውክኦም ጨለ ዘረባታት፡ ነቶም ንነዊሕ ወያነን ኣሜሪካን እዮም ጸላእትኹም እናበለ ከደናግሮምን ዝጸንሐ ደገፍቱ፡ ስነ-ኣእምራዊ ጽልዋ ምድላውት ንምግባር ይመስል ።
እቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ይኹን ኣብ ዓለም ብሕግን ሰላምን ምንባር፡ ከምኡ’ውን ምሕንጻጽ ቦርደር ብደለይቲ ፍትሒ ክድገፉ ዝጸንሑ መትከላት እዮም፡ ብቕንዱ ግን ቓልሲ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘቤታዊ ምሕደራ ሃገርና መሰረታዊ ለውጢ፡ ካብ ግዝኣተ-ውልቐ-መላኽነት ናብ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ምስግጋር እዩ። ኣብ ቃልሲ ንፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ገለ ካብቶም ክጋጥሙ ዝጸንሑ ብድሆታት፡ በቲ ሐደ ሸነኽ እቲ ዲክታተር ካብ ውሽጢ ህዝቢ ዝቦቐለ ስለዝኾነ፡ እቲ ህዝቢ ናተይ እዩ ዝብል እምነት ኣሕዲሩ ስለ ዝጸንሐ ነቲ መላኺ ብኣጋ ኸለልዮ ኣይከኣለን፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ዲክታተር ንክብርታትን ስነ-ኣእምራዊ ኣቃውማ ህዝብን ኣጸቢቑ ስለ ዝፍልጦ ንውዲታት ራዕድን ምትላልን ምቹእ ሃዋሁ ፈጢሩሉ እዩ
ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕ ምጽማም፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላቱን ክብርታቱን ደረት ስለ ዝሰገረ፡ ፍርሂ በቲኹ ቓልሱ እንዳ ኣሐየለ ይመጽእ ኣሎ፡ ናይዚ ጭቡጥ መርኣያ ከኣ፡ እዚ ብዕለት ጥቕምቲ 31 2017 ብኣቦ ሐጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝተወስደ ተባዕ ስጉምቲ፡ ከምኡውን ተመሃሮ ኣልዲ’ያእ ኣልእስላምያ፡ ዘካየድዎ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ፡ ራዕዲ ዝበተኸ ፍናን ደለይቲ ፍትሒ ዘበረኸን ፍጻሜ ኮይኑ፡ ኣብ ቓልሲ ንፍትሐዊ ስርዓት ሐደ ኣብነታዊ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እቲ ስርዓት ከም ኣመሉ ሃይማኖታዊ መልከዕ ከትሕዞ እኻ እንተፈተነ ንተንኮለኛ ፈላላይ ውዲታት ዲክታተር፡ ህዝቢ ነቒሑሉ ምኻኑ ዘመልክት፡ እዚ ነቲ ተባዕ ፍጻሜ ንምድጋፍ ኣብ ወጻኢ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ብዓይነቱን ብዝሒ ተሳተፍቱን ካብ ናይ ቅድም ፍሉይ ብሓቒ ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘርኢ፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተ ሰብና ዝካፈሎ ዘሎ ምኻኑ፡ ህዝብና ብሐቒ ንፈላላይ ውዲታት ሜላ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቒ ክሳብ ክንድይ ነቒሑሉ ከምዘሎ ዘርኢ ዓቢ ምስክር እዩ።
ተኽኣ ጸጋይ
በርክሊ ካሊፎርንያ ሕ/መ/ኣ
ሕዳር 17 2017

Advertisements

ትጽቢትን ሃንቀውታን ህዝቢ ካብ ደንበ ደለይቲ ህዝቢ

Standard

ህዝብና ፍትሒ ሓሪሙዎ፡ህሮሩማ ምረትን ጭቆናን ኣቃጺሉዎ ሃለዋቱ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ኣሻቓሊ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ።እዚ ኣብ ትሕቲ ዝኸፍአ ደረጃ መነባብሮ፡ማሕንቖታት ምስኣን ቀረብ መሰረታዊ ነገራት፡ዝጋዕዘየ ምሕደራ፡ዘይምህላው ነጻ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል፡ዘይብቑዕን ቀረብ መድሃኒትን መሰረታዊ ናይ ላብራቶሪ ኣገልግሎት እኳ ዘይብሉ ልሙስ ኣገልግሎት ጥዕና፡ዘይብቑዕ ደረጃ ዘለዎ ስርዓት ትምህርቲ፡ሞት ናይቲ ዓንዲ ሕቖ ቁጠባ ዝኾነ ጽላት ህንጻን ተነጊሩ ክውዳእ ዘይክእል ባርባራዊ ኣትሓሕዛ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓትን ተወሲኹዎ ህዝቢ ኣብ ዝተሓተ ሃለዋትን፡ቀቢጸ ተስፋን ፡ማእለያ ዘይብሉ ስደትን፡ ተሸሚሙ ይርከብ።

  ልዕሊ’ዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ድማ እቲ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ፍርሒ ንህዝብና ናብ ምልማስ ገጹ ይወስዶ ኣሎ።ከመይ’ሲ ኣይኮነን ጌርካ ሓሲብካ ተባሂሉ’ዉን ግዳይ ማእሰርቲን ስቓይን ስለዝኸውን።ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛን፡ኦፊስን፡መዘናግዒ ቦታታትን ኣእዛን ናይቲ ስርዓት ተዋፊረን ንህብና ከም መልኣከሞት ደድሕሪኡ ይስዕባ ኣለዋ።እዘን ኣእዛን ምስ ተዛረባ ስቓይን መግረፍትን ክሳብ ሞት’ዉን ስለዝጽውዓ መልኣከሞት ምባል ማዕቀነን’ዩ።ስለዚ ህዝብና ኣብ ከመይ ዝበለ ታኼላ ናይ ፍርሂን ሓድሕድ ዘይምትእምማንን ከም ዝርከብ ንምግማቱ ኣይጽግምን።እቲ ዘሕዝን ግን ህዝብና ተወጺዑን ተሸቑሪሩን ዝነብረሉ ዘሎ ዓዲ ፡ዓዲ ጓና ዘይኮነስ ደም ደቁ ከፊሉ፡ተወፍዩን ተቓሊሱን ዘምጽኦ ገዛእ ዓዱን መረበቱን ምዃኑ’ዩ።

  እዚ ሞራል ኣልቦ ዝኾነ ፡ልቡ ዝተሰብረ ህዝቢ እምበኣር ናይ ምውሳንን ነገራት ናይ ምልዋጥን ዓቕሙ በቱ ስርዓት ተመንዚዑ ይርከብ።ትንፋስ ረኺቡ ከይሓስብ ድማ ብማሕንቖታት ቁጠባ፡መፈጸምታን ሩፍታን ብዘይብሉ ኣእላፍ ሪጋታት፡ግዱድ ዕስክርናን ታዕሊምን፡…… ጅሆ ተታሒዙ ነዛ ሩሑ ጥራይ ዓቂቡ ሰለይ ከም ዝብል ይግበር ኣሎ።

  እምበኣር እዚ ህዝቢ ምንጪ ትብዓቱን ተስፍኡን ካብቶም ኣብ ገግዚኡ ካብ መንጋጋ ናይዚ ስርዓት ኣምሊጦም ዝወጹ ደቁ ኮይኑ ወግሐ ጸብሐ ድሃይ ንጥፈታቶም የጣይቕ ኣሎ።ነዚ ሞራሉ ተሰይሩ ሓይሉ ድማ ተዳኺሙ ዝሳለ ዘሎ ህዝቢ ድርዒ ክኾንዎን ተስፋ ክህቡዎን፡ሓይሉ ከሐድሱን ዝኽእሉ፡ነቲ ከስምዖ ዘይክእል ዝተዓብሰ ዛንትኡ ዓው ኢሎም ከቃልሑ ዝኽእሉ፡ነቲ ስርዓት ናይ ደገ መሓውሩ ከዳኽሙ ዝኽእሉ፡ ሓቢሮም ድርብ ሓይሊ ክኾንዎ ዝኽእሉ’ዉን ንሳቶም’ዮም።

እዞም ተቢዖም ኣብ ምድላይ ፍትሒን ሓርነትን ተጸሚዶም ዝዓዩ ዘለዉ ውሉዳቱ ድማ ነዚ ተገንዚቦም ክገብሩዎ ዝግባእ ብዙሕ ነገር ኣሎ።ቀዳማይን ቀንዲን ዘለዎም ፍልልያት ኣጽቢቢም፡ብሓደ ከስርሖም ዝኽእል ምጽውዋር ኣጥርዮም፡ኣብ ጉዳይ ሃገር ድማ ውልቃዊ ዕላማታቶምን ትምኒታቶምን ኣወንዚፎም ሕቶታትን ጠለባትን ህዝቢ ኣቐዲሞም፡ናይ ፍቕሪን ስኒትን ጉዕዞ ክጉዓዙን ክሰምሩን፡ንዝፍጠር ጎርጽታት ኣብ ካልእ ደረጃ ከይዓረገ ንንፋስ ከይሃቡ ብወግዒ ህዝቦም ብዕርቂ ክኣልዩ ፡ንዘለዎን ጸጋታት ኣሚኖም፡ ንዝረኸቡዎ ባይታ ብግቡእ ተጠቂሞም ፡ዝተሰርቀ ኩለንትናዊ ክብሮም ከምልሱን፡ ነታ ብዘይ ወግዒን ክብሪን ብዘይ ባይቶን ዓንዲ ቅዋምን ፡ብዘይ ተሓታትነትን ቅኑዕ ፍርዲን ኣንፈታ ስሒታ ትርከብ ወላዲት ሃገሮምን ነቲ ሞሳ ኢዱ ዘይረኸበ ህዝቦም ድማ ንፋስ ሓርነት ከስተማቕር ባብ ከርሕዉን፡ ንህዝቦም ምንጪ ሓይሊን ሞራልን ክኾኑን፡ነቲ ዝጸምእዎ ሓርነት ድማ ከቀላጥፉን ሃንቀውታ ህዝቢ’ዩ።

©ሰምሃር ገብረስላሴ

መሻቕላ ዜና

Standard

         ሎሚ ሸሞንተ መጋቢት 2017 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ ከባቢታት ክሳድ ዒቃ ዓዲ ኮቶዮ ክሳብ ከባቢታት ብስም ማእከላይ ግንባር ዝጽዋዕ ማይ ኣልባ ድምጺ ቶኽሲ ተሰሚዑ ኣሎ። ማዕሬኡ ካብ ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ኣስመራን ካልእ ከባቢታትን ኣዝዩ ሓያል ግፋ ምቕናዩ ውን ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ።

        እዚ ቅንጣብ ቃንዛ ኤርትራውነት ዘይብሉ ኢሳይያሳዊ ስርዓት ኣብ ናይ መጠረሽታ ዕርብርቡ ዕሸላት ኣሕዋትናን ኣሓትናን መጋበርያ ጥፍኣቱ ክገብሮም ሕጂ ውን ብዘይ ታዕሊምን ምድላዋን ናብ ቅድመ ግንባር ከምርሖም ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ዝኸበርካ ኤርትራዊ ኩልኻ ህዝብን ሃገርን ከተድሕን እቲ ምኽታት እካ እንተተረፈካ ኣንጻር ኩናት ኣንጻር ሞት ዕሸላት እሕዋትካ ኣንጻር ዕንወትን ጥፍኣትን ዓድኻ ብሕቡር ድምጺ ብዓውታ ይኣክል ይኣክል ይኣክል በል!!!

©ሚኬኤል ኣራንቺ

(VOA)ዓመታዊ ፀብፃብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ኢትዮጵያን

Standard

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት 2016 ዝምልከት ፀብፃብ ኣውፂኡ።እቲ ሪፖርት ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቒፉ’ሎ።

ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እትርከብ ኤርትራ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀሙ ይብል። ዜጋታት ብነፃን ርትዓውን ምርጫ ንመንግስቶም ክመርፁ ዘይምኽኣሎም፣ሰባት ብዘይፍርዲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ኣብ ኣዚዩ ሕማቕ ኩነታት ማእስርቲ ከምዝእሰሩ፣ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣስገዳድ ከምዝሰርሑ፣መቕተልቲ፣ማእሰርቲ ምስዋርን ካልኦት ጨካን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ኣሎ ይብል እቲ ፀብፃብ።ግዕዝይናን ዘይትሓታትነትን ከምዘሎን መንግስቲ መግሃስቲ ንዝፈፅሙ ሰበስልጣን ከምዘይቐፅዕን ይሕብር።

ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ፀብፃቡ ድማ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ንስልጣን መንግስቲ ጠቕሊሉ ብሓዝ ኣብ 2015 ኣብዝተኻየደ ምርጫ ምስ ኣጋር ውድባቱ ን547 መናብር ከምዝተቖፃፀር ይገልፅ።

ሓይልታት ፀጥታ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ብምጥቃም ኣብ ምሉእ ዓመት ኣማእቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም ካልኦት ብዙሓት እውን ቆሲሎም ይብል እቲ ፀብፃብ።መብዛሕቲኦም ተቓወሞታት ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ከምዝተኻየዱ ብምግላፅ ክሳብ መወዳእታ 2016 ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነይሮም ተባሂሉ ከምዝእመንን ናብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ጠበቓታት ናይ ምርካብ ዕድል ከምዘይረኸቡን ይገልፅ።

ንናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽና ፀብፃብ ብምጥቃስ ካብ ሕዳር 2015 ኣ/ፈ ጀሚሩ ልዕሊ 800 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ’ሎ።

ብሃበ ተረኽበ ምቕታል፣ምስዋርን ካልኦት ጭካነ ዘለዎም ኢሰብኣዊ መቕፃዕትን ከምዝፍፀሙን መንግስቲ ግዕዝይና ንዝፍፅሙ እምበር እምበር መግሃስቲ ንዝፍፅሙ ሰበስልጣን ኣይቐፅዕን ይብል እቲ ፀብፃብ።